ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ጉዳይ ምትሕግጋዝ ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብምትኳር ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዘራረብ’ዩ

Radio Erena: 17 June 2020

ፕረዚደንት ቻይና፣ ዚ ዢፒንግ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግትእ ኣብ ዝብል ናይ ምትሕግጋዝ መደብ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዝቲ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ፣ 17 ሰነ፣ ብቪድዮ ዝካየድ ዋዕላ ቻይናን ሃገራት ኣፍሪቃን ሓያሎ መራሕቲ እዛ ኣህጉርን ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ክሳተፉ’ዮም።

ነቲ ዋዕላ ፕረዚደንታት ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ክመርሕዎ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብቲ ዋዕላ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ክሳተፉ’ዮም።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ቻይናን ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳን እናጎደለ ይመጽእ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ቀስ እናበለ ይዛይድ ከምዘሎ ጸብጻባት ጥዕና ይሕብሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0