ሱዳን፣ ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክሃድሙ ናይ ዝፈተኑ’ዩ ዝተባህለ ጋህሲ ተረኺቡ

Radio Erena: 17 June 2020

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክሃድሙ ናይ ዝፈተኑ’ዩ ዝተባህለ መቓብር እኩብ ሬሳታት ወይ ጋህሲ ከምዝእተረኽበ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ካርቱም፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተረኽበ ጋህሲ፣ ስርዓት በሺር፣ ኣብ 1998 ብግዴታ ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዘእተዎም መንእሰያት፣ ክሃዱም ኣብ ዝፈተንሉ ናይ ዝተቐትሉ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ‘ኣል ኤፋሎን’ ኣብ ዝተባህለ ማእከል ወትሃደራዊ ስልጠና ዝተረኽበ ጋህሲ፣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሺር፣ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብዝሃብዎ ሓበሬታ’ዩ ክርእከብ ክኢሉ።

ብዝያዳ ንምርግጋጹ፣ ሓዳስ ኮሚተ ቆይማ ተጻርዮ ከምዘላ መንግስቲ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ 1998፣ ካብ ወትሃደራዊ ስልጠና ክሃድሙ ዝፈተኑ 55 ተዓላሞ፣ ብጀልባ ሩባ እናሰገሩ ከምዝጠሓሉ ስርዓት በሺር ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0