ሪክ ማቻር፣ ኣብ ከተማ ጁባ ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ይካየደሉ’ሎ

Radio Erena: 24 May 2020

ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር፣ ኣብ ከተማ ጁባ ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ይካየደሉ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሪክ ማቻር፣ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ስለዘሎ፣ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ብሪጣንያ ገይሹ ክብላ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ዝዘገሖኦ ሓበሬታ እዩ፣ ቤት ጽሕፈት’ቲ ምኽትል ፕረዚደንት ብዓርቢ 22 ግንቦት ነዚ መግለጺ’ዚ ኣውጺኡ።

ሪክ ማቻር ምስ በዓልቲ ቤቱ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎ’ዩ ክሕበር ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ እዚ ሓበሬታ’ዚ ሓቅነት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ቤት ጽሕፈቱ፣ ሪክ ማቻር ኣብ ከተማ ጁባ ከምዘሎን ጥዕንኡ ከኣ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብን ገሊጹ።

ሪክ ማቻር ብ18 ግንቦት ምስ በዓልቲ ቤቱ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ከምዘሎ’ዩ ኣፍሊጡ።

ክቡራት ሰማዕትና ዜና ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ። ርሑስ በዓል ናጽነትን ዒድ ኣልፈጥርን ንምነ። ዝቕጽል ትሕዝቶና ብዮናታን ሃብተ ዝዳሎ ናይ መዘናግዒ መደብ ክኸውን’ዩ፣ ምክትታልኩም ክትቅጽሉ ብኽብሪ ንዕድም።

ዝኸበርኩም ሰማዕና፣ ንሎሚ ዝተዳለወ ፈነወና ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ፣ ስለ ምክታልኩም ነመስግን። ደጊምና ደጋጊምና ርሑስ ቅንያት ናጽነትን በዓል ዒድ ኣልፈጥርን ንምነ፣ ሰላም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0