ሽወደን ንላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰጎጎትሉ ምኽንያት መሸጣ ዘይሕጋዊ መስተ ምዃኑ ተገሊጹ

ሽወደን ንላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰጎጎትሉ ምኽንያት መሸጣ ዘይሕጋዊ መስተ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 September, 2014

Tekle Mengs

መንግስቲ ሽወደን ንቀዳማይ ጸሓፊ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዝሰጎጎሉ ምኽንያት ካብ ሕጊ’ታ ሃገር ወጻኢ ኣልኮላዊ መስተ ክሽይጥ ስለዝተረኽበ ምዃኑ ተቃሊዑ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየድ ፈስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን፣ ካብ ግብሪ ናጻ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ክሸይጥ ተፈቒዱዎ’ዩ ብዝብል ናብ ህዝባዊ ዕዳጋ ከምዘውረዶን ብሰንኩ’ውን እቲ ትሰጉጉ ዘሎ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ምስሕሓብ ከምዝጸንሐ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት እታ ሃገር ኤክስፐረስ ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

 

ካብ መሸጣ ናይቲ ካብ ግብሪ ናጻ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ዝተረኽበ ገንዘብ’ውን እቲ ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ስለዝልእኮ’ውን ነቲ ጉዳይ ከምዘጋደዶ ይጠቐስ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፣ ምስጓግ እቲ ዲፕሎማሰኛ ምስ መሸጣ ዘይሕጋዊ መስተ ምትሕሓዝ ብዛዕባ ምህላዉ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበሉን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዜግነትን ንዘለዉ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ምእሳሩ፣ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኤምባሲኡ’ውን ነበርቲ ሽወን ካብ ዝኾኑ ዜጋታቱ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ክኸፍሉ የገድድ ኣሎ እናተባህለ ኣብ ሽወደን ብቀጻሊ’ዩ ዝውቐስ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0