ኣብ እስራኤል ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ ተቐቲሉ

ኣብ እስራኤል ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ ተቐቲሉ

Radio Erena: 09 September, 2014

Eri Killed in Israe

ኣብ እስራኤል፣ ኣሽከሎን ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ሓደ ኤርትራዊ ተቀቲሉ ተረኺቡ።

እቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ፣ ኣብ መእተዊ ናይቲ ዝነብረሉ ህንጻ ወዲቁ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ፖሊስ እታ ሃገር፣ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምውሳዶም ህይወቱ ሓሊፉ ከምዝጸንሖም ገሊጾም።

ኣብ ዝተኻየደሉ መርመራ ናይ ማህረምቲ ምልክታት ስለዝተረኽበሉ ድማ ብሰብ ከምዝተቐትለ ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ኣረዲኦም።

 

እንተኾነ ብቕትለት እዚ ኤርትራዊ ዝተጠርጠረ ሰብ ዛጊት ኣይሓዙን።

ኣንጻር ስደተኛታት ሕሊፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላ’ውን ኣብ ልዕሊ በይኑ ዝረኸብዎ ስደተኛ መጥቃዕቲ ስለዘካይዱ፣ እዚ ኤርትራዊ’ውን ግዳይ ናይ ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ግፍዒ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ግምታቶም ይህቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ቴልኣቪቭ፣ መናሃርያ ኣውቶቡስ፣ ብተመሳሳሊ ግፍዒ ዝተሃርመ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራውዊ፣ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቁ ከምዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የመልክታ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0