ሱዳን፣ ንሰድድ እትልእኮ ማሸላ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 08 April 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንመሸጣ ዝልኣኽ ዝነበረ ማሸላ ደው ክብል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሱዳን ካብ 15 ሚያዝያ ኣትሒዛ ክሳብ ዘይተወሰነ እዋን ንሰድድ ክልኣኽ ዝጸንሐ ማሸላ ደው ከምዝበለ ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦት ኣካላትን እታ ሃገር ድሕሪ ምዝታይ፣ ብሰንኪ እዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ኮሮና፣ ክዙን መሰረታዊ ኣእካል ከምዘድሊ ስለዝተገምገመ ምዃኑ ጸሓፊ ሚኒስተሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ሱዳን መሓመድ ዓብደላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ክራማት፣ ንሰድድ ዘተባብዕ ምህርቲ ማሸላ ከምዘይሓፈሰት ዘዘኻኸረ እቲ ጸሓፊ፣ እቲ ዘሎ ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኽዘን ከምዝተወሰነ ጠቒሱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክራማት 5.1 ሚልዮን ቶን ማሸላ ዘፍረየት ሱዳን እዚ ምስ ናይ ቅድሚኡ ክነጻጸር እንከሎ ብ36% ከምዝጎደለ ሰነድ እታ ሃገር የመልክት።

ሱዳን፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት ቶን ማሸላ ብሰደድ ክትልእኽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0