ቻይና፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ጽዒናተን ዘላ ውህሉል ዕዳ ከተቃልል ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 08 April 2020

ቻይና፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ጽዒናተን ዘላ ውህሉል ዕዳ ከተቃልል ሚኒስተር ፋይናንስ ጋና ኬን ኦፎሪ ኣታ ሓቲቱ።

ንኮሚተ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝውከለት ጋና ነዚ ጻውዒት ተቕርብ ዘላ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናብ ከቢድ ቁጠባዊ ውድቀት ክሽመማ ከምዝኽእላ ብምምልካት’ያ።

ብዝሒ ግዳያት ኮረና ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ካልኦት ክፍሊ ዓለማት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት እኳ እንተኾነ፣ እዘን ሃገራት ብዘለወን ዓቕሚ ግና ነቲ ለበዳ ብኣግኡ ንምምካት ተጸጊመን ይርከባ።

ምንጪ እቲ ሕማም ዝኾነት ቻይና፣ ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ለበዳ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዋ እኳ እንተኣመነተ፣ በብእዋኑ ዘለቀሓተን ቢልዮናት ዕዳ ክትስርዘላን ከምእትኽእል ግና ዝኾነት ኣንፈት ኣይሃበትን።

ቻይና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብምትኳር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተናጸል ርክባት ክተካይድ ምዃና ግና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብመልክዕ ፊናንስያዊ ልቃሕን ምወላ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን 140 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ካብ ቻይና ኣለወን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ቻይና ካብዘን ሃገራት 8 ቢልዮን ዶላር ክኽፈላ’ያ ትሓትት።

እንተኾነ ኣብዚ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካትን ብሰንኩ ንዝዓኑ ቁጠባ ንምሕዋይን ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ዝሓታሉ ዘለዋ እዋን፣ ንቻይና ዕዳኣ ክኸፍልኣ ከምዘይክእላ’ዩ ሚኒስተር ፋይናንስ ጋና ዘረድእ።

ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ሃብታማ ሃገራትን፣ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ውህሉል ዕዳ ክስርዛላ ቀዳማይ ሚኒስርተር ኢትዮጵያ፣ ኣብህይ ኣሕመድ ብወግዒ ከምዝሓተተ ዝዝከር’ዩ።

ሰነዳት ባንክ ዓለም ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዳ ዘይብላ ሃገር የላን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0