ደቡብ ሱዳን፣ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ንናይ ሓድነት መንግስቲ ከየፍርስ ተሰጊኡ

Radio Erena: 12 March 2020

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ካብ ዝቐውም ወርሒ ንዘይገበረ ናይ ሓድነት መንግስቲ ከየፍርስ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ናይ ሓድነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ 22 ለካቲት ድሕሪ ምቛሙ፣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ መንጎ ሉ ኑዌርን ሙርለን ዝተባህሉ ቀቢላታት ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝሞቱን ኣስታት 180 ድማ ከምዝቖሰሉን’ዩ ድሒሩ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ከባቢታት ፒቦር፣ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ሉካንጎለ፣ ዋት፣ ማንያቦልን ኣኒዲን ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ኣገልግሎት ዜና ኣናዱሉ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ሓድሽ ናይ ሓድነት መንግስቲ ንምቛም፣ ንመላእ ካቢነኡ ድሕሪ ምብታን መራሒ ተቓዋሚ ሬክ ማቻር ዝርከቦም ኣርባዕተ ምክትል ፕረዚደንታት ክምዝዝ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ዞባታት ፖለቲካዊ መሪሕነት ከቕውም ብዘይምኽኣሉ እቲ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ዝውቀስ።

ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፣ ኣብ ዞባታት፣ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይምህላዉ ሓደ ካብ ጠንቅታት እቲ ግጭት’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።

ኣብ እዋን’ቲ ግጭት፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝተጨውዩ ደቂንስትዮን ቆልዑን ብዝቀልጠፈ ናብ ስድራቤታቶም ክምለሱ፣ ሓላፊ ናይቲ ተልእኾ ዳቪድ ሺረር፣ ብ9 መጋቢት ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸዊዑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ዞባታት ደቡብ ሱዳን፣ በቲ ዝቖመ ናይ ሓድነት መንግስቲ ዝተመዘዘ ወግዓዊ ኣማሓዳሪ የብለንን።

እዚ ድማ፣ ንሓያሎ ኣብ ምትፍናን ዝርከባ ቁሸታትን ቀቢላታትን ናብ ግጭት ከምርሑ ዕድል ዝህብ ምዃኑ’ዩ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0