ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም

Radio Erena: 25 February 2020

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ቤት ጽሕፈት እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ ኣመልክታ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ብጹእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን፣ ፕረዚደንት ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያን ሰብሳቢ ኮሚሽን ሃገራዊ ዕርቂን ሰላምን ኢትዮጵያን፣ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ሙሴ፣ ከምኡ ድማ ጸሓፊ ቤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ቶሸመ ፍቕሬን ዝርከብዎ ልኡኽ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ኣብ መበል 50 ዓመት ጽምብል እዮቤልዩ ክብረ በዓል ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ንኽሳተፉ፣ ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ ኣስመራን ፕረዚደንት ጳጳሳት ካቶሊክ ኤርትራን ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ብዝገበርሎም ዕድመ መሰረት ብ22 ለካቲት ናብ ኤርትራ እኳ እንተምርሑ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ን16ሰዓታት ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዝተነግሮም ጠቒሱ።

መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፣ እቶም ጳጳሳት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኩሉ ቅጥዕታት ኣማሊኦም፣ ንሓደ ወርሒ ዘጽንሖም ቪዛ ተዋሂብዎም ከብቅዕ፣ ድሒሩ ግና ካብ ላዕሊ ብዝመጸና ትእዛዝ ናብ ኤርትራ ክትኣትዉ ኣይንፈቕድን ኢና ከምዝተባህሎም ኣገንዚቡ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ሰላም ጀሚረናሉ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ምኽሳቱ ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስትያናት ከምዘጉሃየ’ውን እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብወገና፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምልኣኽ ምጽራይ ክገብረሉ ክትሓትት ምዃና ኣነጺራ ኣላ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0