3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ንፈረንሳዊት ክለብ ዝወከለ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ብጫ ማልያ ለቢሱ

Radio Erena: 25 February 2020

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ዴልኮ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ሰሉስ 25 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ 3ይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ፡ ካብ ካዛኪስታናዊ የቭገኒይ ፌዶሮቭ ብጫ ማልያ ብምምንዛዕ፡ ኣብ ዝባኑ ለቢስዋ።

ኣብ’ዚ ካብ ሆየ ነቒሉ ኣብ ሩዚሲ ዝተዛዘመ 142 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም፡ ናይ ክለብ ጂዮካቶሊ ኣንድሮኒ፡ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ዮናታን ሬስትሬፖ ዕዉት መድረኽ ክኸውን ከሎ፡ ሓንቲ ካልኢት ተፈንቲቱ ዝኣተወ ቢንያም ግርማይ 2ይ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ፡ ብቅደም ተኸተል 9 ከምኡ’ ውን 11 ካልኢታት ድሒሮም 3ይን 4ይን ደረጃ ሒዞም።

ኣብ’ዚ ከም ዝሓለፈ መዓልታት ብኤርትራውያን ተዓብሊሉ ዝተዛዘመ መድረኽ፡ ዳዊት የማነ 10ይ ኮይኑ ብምእታው፡ ንቑጽሪ ምስ ቀዳሞት 10 ተቐዳደምቲ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ናብ 4 ኣበሪኽዎ።

ብግዜ ቢንያም ግርማይ ብ9 ሰዓታት፡ 36 ደቓይቕን 18 ካልኢታትን ንብጫ ማልያ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ከእትዋ ከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ፡ ብ5 ካልኢታት ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ብጋንታ ሕጂ’ውን ኤርትራ ኣብ መሪሕነት ትርከብ። ተቐዳደምቲ ጽባሕ ሮቡዕ፡ ካብ ሩሲዚ ተበጊሶም 206.3 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ናብ ሩባቩ ክበጽሑ እዮም።

እዚ ናይ ጽባሕ ውድድር ብትርር ዝበለ ዓቐባት ዝተዓብለለ ስለ ዝኾነ ብርቱዕ ቕልስ ክረኣየሉ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ኣብ’ዚ ውድድር ንማሌዥያዊት ክለብ ትሬንጋኖ ወኪሉ ክሳተፍ ዝቐነየ ኤርትራዊ መትከል እዮብ: ብምኽንያት ሕማም ካብ’ዚ ዙር ክእለ ከም እተገደደ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ ኣሎ::

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0