ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ UNHCR ዝተመዝገቡ 2420 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ

Radio Erena: 11 February 2020

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ 2420 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻብ UNHCR ጠቒሱ።

እቲ ክሳብ 31 ጥሪ 2020 ንዝነበረ ብዝሒ ዝገልጽ ጸብጻብ ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል ከምዘመልክቶ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ጁባ ዝነብሩ ክኾኑ እንከለዉ 10ታት ድማ ኣብ ማካፓንዱ ከምዝርከቡ ይጠቕስ።

ኣስታት 18 % ናይቲ ብዝሒ ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ ኣማኢት ቆልዑ’ውን ይርከብዎም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ንግድን ወፍርን ዝተዋፈሩ ዕዉታት ኤርትራ ከምዝለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዙሓት ካብኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዑቕባ ዝተዋህቦም’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0