ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: 11 February 2020

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር፣ ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብሉልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዝፍለጥ መሰጋገሪ መንግስቲ እት ኣሃገር፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር በቲ ተኸሲስሉ ዝጸንሐ ጉዳያት፣ ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ከተማ ሄግ ናብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከረክቦ ወሲንሉ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣል በሺር፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝኽሰሰሉ ከም ብልሽውና፣ ዝርገት ስልጣን፣ ማእሰርትን ምግፋዕን ዜጋታትን ካልእን ዝብሉ ዘሎ ጉዳያት፣ ኣንጻር ሰብኣውነት ኵናትን ዝርከቦ ብሓሙሽተ ገበናት’ውን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክድለ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ኣብ ዝተታሕዘሉ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ፣ ዘ ሄግ፣ ኣብ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2010 ክልተ ግዜ ኣዋጅ ምውጽኡ ይዝከር።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0