ፓስፖርት ኤርትራ፣ ናብ 41 ሃገራት ብዘይቪዛ ከግይሽ ይኽእል

Radio Erena: 14 January 2020

ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ናብ 41 ሃገራት፣ ብዘይ መእተዊ ቪዛ ከግይሽ ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

በዚ ብዝሒ’ዚ ድማ፣ ደረጃ ዓቕሚ ፓስፖርት ኤርትራ፣ ኣብ መበል 98 ተሰሪዑ ይርከብ።

The Henley Passport Index ዓመታዊ ኣብ ዝዝርግሖ ዓቕሚ ፖስፖርት ሃገራት ዓለምና፣ ከም ኣውራ መምዘኒ ዝጥቀመሉ፣ ብነፈርቲ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ’ዩ።

ከም መወከሲ ዝጥቐመሉ ድማ ንኣህጉራዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣየር ኮይኑ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ብዘይቪዛ ናብ ዝበዝሐ ሃገራት ዘግይሽ ፓስፖርት ኢሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘቐመጦ ናይ ጃፓን’ዩ።

ዜጋታት ጃፓን፣ ናብ 191 ሃገራት ብዘይመእትዊ ቪዛ ክጓዓዙ ይኽእሉ።

ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ፓስፖርት ናይ ሲንጋፖርት ኮይኑ፣ ንወነንቱ፣ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ከይተሸገሩ ናብ 190 ሃገራት የጓዕዝ።

ፓስፖርታት ደቡብ ኮርያን ጀርመንን፣ ናብ 189 ሃገራት ብዘይመእተዊ ቪዛ የንቀሳቕስ ተባሂሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ።

ካብ 188 ክሳብ 185 ሃገራት ብዘይቪዛ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ተባሂሉ፣ ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻብዓይ ደረጃታት ሒዙ ዘሎ ፓስፖርታት ሃገራት ኤውሮጳ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ፣ ናብ ዝወሓደ ሃገራት ከንቐሳቕስ ዝኽእል ፓስፖርት ዓለምና ናይ ኣፍጋንስታን ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ።

ፓስፖርት ኣፍጋኒስታን ኣብ መበል 107 ክስራዕ እንከሎ፣ ናብ 26 ሃገራት ጥራይ’ዩ ብዘይቪዛ ናይ ምንቕስቓስ ዓቕሚ ዘለዎ።

ፓስፖርት ኤርትራ፣ ድማ ንፓስፖርታት ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕ፣ ሶርያ፣ ፓኪስታን፣ ሶማል፣ የመን፣ ሊብያ፣ ኔፓል፣ ፍልስጤም፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሱዳን፣ ኮሶቮ፣ ሊባኖስ፣ ባንግላዲሽን፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፣ ብጠቕላላ ን16 ሃገራት በሊጹ ኣብ መበል 98 ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ወነንቲ ፓስፖርት ኤርትራ፣ ናብ 41 ሃገራት መእተዊ ቪዛ ከይሓተቱ ክገሹ ደኣ ይኽኣሉ’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ዝተረፈ፣ ንዜጋታት መውጽኢ ቪዛ ምሕታት ካልእ ዘሸግሮም ጉዳይ ምዃኑ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0