ፈረንሳ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊታ ከተዛይድ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 15 January 2020

ፈረንሳ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊታ ከተዛይድ ምዃና ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሳሓራ ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ሃገሩ፣ ተወሳኺ ብዝሒ ከተዋፍረሉ ምዃኑ ዝገለጸ፣ ምስ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ’ዩ።

መራሕቲ ቻድ፣ ኒጀር፣ ሞሪታንያ፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ብሰኑይ 13 ጥሪ፣ ኣብ ከተማ ከተማ ፓ፣ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ንዝርአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምግታእ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ተረዳዲኦም።

ፈረንሳ፣ ካብ 2012 ኣትሒዛ፣ ነፈርቲ ኵናት፣ ሄሊኮፕተራትን ድሩዓትን ዝዓጠቐ፣ ብባርካን ዝፍለጥ ኣስታት 5 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ልዕሊ 200 ተወሰኽቲ ወትሃደራትን ወትሃደራዊ ንዋትን ከተዋፍር ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ዝንቐሳቐሱ ዕጡቓት ጽልዋ ከምዘለዎ ንዝጠቕሶ፣ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ብዝምልከት’ውን ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምስጢራዊ ርክባት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት የቓልዑ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊታ ክትውስኸሉ ምዃና እትገልጽ ዘላ፣ ኣመሪካ ኣብዛ ኣህጉር ዝርከብ ወትሃደራዊ ሓይላ ከተጉድል ምዃና ኣብ እትእንፍተሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ጂቡቲ፣ ብቐዋምነት ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ፣ ኣብ ሃገራት ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ንፍሉ ተልእኾታት ዝወፈረ ሰራዊት ከምዘለዎ’ውን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ስልጠና ዘተኮረ ፍሉይ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ተዋፊሩ ይርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0