ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዝተወልዐ ግጭት 51 ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዝተወልዐ ግጭት 51 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 05 August, 2014

Cal

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ኣብ መንጎ ዘለዉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዝተላዕለ ግጭት ብውሕዱ 51 ሰባት ከቢድን ፎኪስን መቑሰልቲ በጺሕዎ።

እቲ ብሰንኪ ዋንነት ናይቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰግራ ዓበይቲ መካይን ዝዕሸጋሉ ቦታ ማለት ፓሪክግን መዕረፊ ቦታን ዝተላዕለ ምትፍናን ካብ ትማሊ ሰኑይ እኳ እንተጀመረ፣ እቲ ምትፍናን ናብ ግጭት ዓሪጉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን በእማን፣ ጠራሙዝን ካራሩን ይበኣሱ ኣለዉ።

 

ኣብቲ ካብ ትማሊ ረፋድ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ግዜ ዝተጎሃሃረ ግጭታት ካብ ወገን ኤርትራን ሱዳንን ሱዳንን 51 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ሓደ ብጽኑዕ ተሃስዩ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ይርከብ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ዘንብዕ ጋዝ እናተጠቕሙ ይብትንዎም እኳ እንተለዉ፣ እቲ ግጭት ጸጸኒሑ’ዩ ዝጎሃሃር ዘሎ።

ኣብታ ምስ ብሪጣንታ እተዳውብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ጎደናታትን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ፋብሪካታትን ህንጻታትን’ዮም ዝነብሩ።

ነቲ ግጭት ዜጋታት ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ከይጽንበርዎ ዝሰግአ ምምሕዳር ከተማ ካሌ ተወሰኽቲ ፖሊስን ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታን ኣዋፊሩ ይርከብ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ወይ ኣብ ፈረንሳ ኢዶም ክህቡ ወይ ድማ ካብታ ሃገር ክወጹ ብምጥንቓቕ ዝሓለፈ ወርሒ ብፖሊስ ካብቲ ቦታ እናበተነ ከምዘግዓዞም ይዝከር።

ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ንምክትታል ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ቦታ ዑደት ከምዘካየደ’ውን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዜና ቀሪቡ’ዩ።
===========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0