ጸ.ጉ. ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ብጉዳይ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብዝምልከት  ምስ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ ተዘራሪቡ

ጸ.ጉ. ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ብጉዳይ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 06 August, 2014

Anda

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ብጉዳይ እቲ ናብ ኤርትራ እናምርሐ ኣብ የመን ካብ ትራንዚት ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ መራሒ ግንቦት ሸውዓት ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብዝምልከት ንፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ ጸዊዑ ከምዘዘራረቦ ሮይተርስ ካብ ለንደን ሓቢሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ማርክ ሲሞንድስ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቆንስል ብሪጣንያ ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ክረኽቦ ስለዘይተፈቕደሉን ብሞት ድማ ከይቕጻዕን ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጽሉ።

 

ዋና ጸሓፊ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓት ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፣ ናይ ብሪጣንይ ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ክእለዎ ኣለዎ ዝብል ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ካብ ዘለዎም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ’ዩ።

ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣስመራ ከምዝገበረ ዝንገረሉ ኣቶ ኣንዳርጋጨው ጽጌ፣ ምስቲ ኣብ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብ ኣቦ መንበር ናይቲ ውድብ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ዝተማእከለ ቀጻሊ ርክባት ኣብ ምክያድ’ውን ተጸሚዱ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ካብ ሓደ ካብ ዑደታቱ ድማ፣ ብመንገዲ ኣየር የመን ካብ ዱባይ ናብ ኣስመራ እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ የመን ኣብ ትራንዚት ተታሒዙ መንግስቲ የመን ብኡ ንብኡ ናብ መግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪብዎ።

ብሪጣንያ፣ ነዚ ዜግነታ ሒዙ ዝርከብ ብኢትዮጵያ ድማ መጀመርያ ንሞት ደሓር ድማ ንሕልፈት ዝተፈርደ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ከምቲ ዝድለ ኣይተጣበቕትሉን እናበሉ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ይወቕሱዋ እኳ እንተለዉ፣ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ ብጎነጽ ክኣሊ ዝንቐሳቐስ ኢትዮጵያ ዝመበቖሉ ዜጋኣ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ እንተጌራ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ክእለ ከምእትድግፍ ስለዝቑጸር፣ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ክትከስሮ ከምዘይትደሊ ዝትንትኑ’ውን ኣለዉ።

እንተኾነ ብሪጣንያ፣ ደሃይ ናይ ዝኾነ ዜግነት ዝሃቦ ዜጋኣ ክትሓትት መሰል ስለዘለዋ፣ እዚ ሕጂ ንኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ ጸዊዓ ዘዘራረበትሉ ነጥቢ’ውን ንዲፕሎስያዊ ማዕረግ እንተዘይኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ክትፈትሖ ትኽእል’ያ ካብ ዝብል እምነት ከምዘይኮነ ይግለጽ።
===========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0