ኬንያን ሶማልን፣ ጸጥታ ዶባተን ንምውሓስ ፣ ዓበይቲ ዓዲ ዝሳተፍዎ ርክብ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 27 December 2019

ኬንያን ሶማልን ኣብ ዶባተን ዝርአ ዘሎ ሽበራዊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ንምግታእ፣ ዓበይቲ ዓዲ ዝሳተፍዎ ርክብ ሓለፍቲ ጸጥታ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዞባ ዋጂር ናይ ኬንያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ርክብ፣ ኣዘዝቲ ጸጥታ ክልትኦም ወገናት ክኽተልዎ ንዝጸንሑ ስትራቴጂ ከመሓይሽ ዝሕግዝ’ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኬንያ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ዞባታት፣ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም እኳ እንተለዉ ኣልሸባብ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቓዕታት ከካይድ ክኢሉ’ዩ።

እዚ ድማ ብዘይተሳታፍነት ዓብይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ፣ ጸጥታኢ እቲ ዶባት ምውሓስ ኣይክኣለን ካብ ዝብል እምነት’ዩ ንዓበይቲ ዓዲን ኣዘዝቲ ጸጥታን ዘሳተፈ ሓባራዊ ኣኼባ ዝውደብ ዘሎ።

ኬንያን ሶማልን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዶባተን ዝረአ ሽበራዊ ምንቅስቓስን ዋንነት ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ዝርከብ ሰፊሕ ማያዊ ክፋልን ኣብ ዲፕሎስያዊ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0