ካብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦጋዴን ናብ ወደብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ባህርያዊ ጋዝ ክህነጽ’ዩ

Radio Erena: 27 December 2019

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ወደብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ባህራዊ ጋዝ ንምህናጽ ኣቐዲሙ ብክልቲኦም መንግስታት ንዝኸጠተመ ስምምዕ ግብራዊ ክኸውን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘጽደቆ ሺንሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቡቢሩ።

እቲ ባህራዊ ጋዝ ካብ ዝተረኽበሉ ክልል ኦጋዴን ናብ ወደብ ጅቡቲ፣ ልዕሊ 760 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ኣብ ውስጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ኦጋዴን ዕደና ባህራዊ ጋዝ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ቻይና Poly-GCL ነቲ ፕሮጀክተ ከተግብር ምዃኑ ኣብ ወርኺ ለካቲት 2019 ምጥቃሱ ይዝከር።

እቲ ኩባንያ ንልዕሊ 10 ዓመታት ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ዳህሳስ፣ ኣብ ዞባ ኦጋዴን ካብ 7 ክሳብ 8 ሜትሪክ ቶን ዝግመት ዕቝር ሃብቲ ባህራዊ ጋዝ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

እቲ ኩባንያ ኣብቲ ዞባ ነዳዲ ናይ ምርካብ ልዕሉ ተስፋ ከምዘለዎ’ውን በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ሰደድ ባህራዊ ጋዝን ነዳዲን ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትጽቢት ኣንቢራ ኣላ።

ንሰደድ ብወደብ ጅቡቲ ክልኣኽ ተባሂሉ ድማ’ዩ፣ ካብቲ ባህራዊ ጋዝ ዝተረኽበሉ ከባቢታት ኦጋዴን ክሳብ ወደብ ጅቡቲ ሻምብቆታት ንምዝርጋሕ ፕሮጀክት ዝተታሕዘሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0