“መዓልታዊ ብዘይኣልዩ ዝመጽኡ 30 ኤርትራውያን ቆልዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ይሓቱ” UNHCR

Radio Erena: 25 December 2019

ኣብ ነፍሲ ወከፈ ወርሒ፣ ናብ ኢትዮጵያ እናሰገሩ ዑቕባ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣስታት 6 ሽሕ ምዃኑ ሓድሽ ጸብጻብ UNHCR ካብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ክሳብ 15 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ዕለት፣ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 44% ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

እቲም 27% ድማ ብዘይኣላዩ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ’ዮም።

መዓልታዊ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ኣስታት 30 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ይግበረሎም ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ክልላት ትግራይን ዓፈርን ናብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ምስጋር ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ትካል፣ እቶም 70% ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸቕጢ ክፈጥር ይርአ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ርክብ ካብ ዝጀመረሉ ኣስታት ዓመትን መንፈቕን፣ ብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገዱ ኤርትራውያን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እዋን ዛይዱ ከምዘሎን፣ ብፍላይ ከተማታት ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ብኤርትራውያን ኣዕለቕሊቐን ከምዝርከባ ይንገር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0