ካናዳ እታ ዝበዝሐ ፍርያት ኤርትራ ዝኮነ ወርቂ እትሽምት ሃገር’ያ ተባሂሉ

ካናዳ እታ ዝበዝሐ ፍርያት ኤርትራ ዝኮነ ወርቂ እትሽምት ሃገር’ያ ተባሂሉ

Radio Erena: 29 July, 2014

Bisha Gold

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተሪር ናይ ቁጠባ እገዳ ንምትግባር ከምእትሰርሕ እትግለጽ ካናዳ፣ በንጻሩ እታ ዝበዝሐ ወርቂ ካብ ኤርትራ እትሽምት ሃገር ምዃና ዘ ኦብዘርቫቶሪ ኦፍ ኢኮኖሚ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ቁጠባ ሃገራት ዘተኩር ማዕከን ዜና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ሰድድ ኤርትራ ወርቂ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ናብ ካናዳ ዝቀንዐ ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ዘፍርዮ ዘሎ ወርቂ ናብ ዕዳጋ ዓለም የቕርቦ ከምዘሎ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ ናበየነቲ ሃገር የቕንዕ ከምዘሎ ግና ብንጹር ኣይገልጽን’ዩ።

 

ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ እትእልኮ ፍርያታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ብ89% ወርቂ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ ብ4.9% ነሓስ’ዩ። ሓጺን፣ ቡንን ከም ማርሞ ዝኣመሰለ ክቡር እምንታትን ድማ ብውሑድ ዓቐን ከምእትልእክ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ።

እቲ ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ሰድድ ክትልእኮ ዝግብኣ ዝነበረ ዓሳ ግና ኣብቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ደረጃታት ሰደድ ኤርትራ’ውን የለን።

እዚ ካብ ኤርትራ ዝልኣኽ ፍርያት ብቀዳማይ ደረጃ ወርቂ ናብ ካናዳ ክኸውን እንከሎ፣ ካብ ካልእይ ክሳብ ሓሙሻይ ድማ ህንዲ፣ ግብጺ፣ ኢጣልያን ፖርቱጋልን’ዩ።

በንጻሩ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ሃገራት እትሽምቶ ነጋራት ብቀዳማይ ደረጃ ነዳዲ ክከውን እንከሎ፣ ነዳዲ ተኸቲሉ ድማ ሽኮር፣ ኣእካልን ናይ ህንጻ መሳርሒ ኣቑሕን የጠቃልል።

ቻይና፣ ኢጣልያ፣ ግብጺ፣ ጀርመንን ህንድን ድማ እተን ኤርትራ ዝተፈላለየ ነገራት እትሽምተለን ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት’የን።

ኤርትራ ብብዝሒ እትሽምቶ ነዳዲ ካበየነይቲ ሃገር ምዃኑ ግና ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተሓበረን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0