ቀ/ሚ ሱዳን፣ ኣቦ መንበር ኢጋድ ኮይኑ

Radio Erena: 02 December 2019

ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ (ኢጋድ)፣ ብ29 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሱዳን ኣብ ዝተረኽብሉ ዋዕላ፣ ሱዳን ኣቦ መንበርነት ኢጋድ ተረኪባ።

ኣብቲ ዝተጋብአ መበል 13 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ቀ/ሚ ሱዳን፣ ፕረዚደንታት ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ክርከቡ እንከለዉ፣ ኬንያ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ያ ተወኪላ።

ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን’ውን ኣብቲ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዋዕላ ተሳቲፎም።

ይኹን’ምበር እቶም መራሕቲ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፣ ስልጣን ኣቦ መንበር መን ይረከቦ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብዝያዳ ምክርኻሮም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ጂቡቲን ሶማልን፣ መሪሕነት ዞባዊ ውድብ ብኬንያን ኢትዮጵያን ተዓብሊሉ ብዝብል ተቓውሞታት ከስምዓ ምጽንሐን ይግለጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ንኬንያዊ ማሕቡብ ሙዓሊም ብምትካእ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ክኸውን እንከሎ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳብ ዓብደላ ሓምዶክተተኪኡ ኣሎ።

ካብ 2007 ኣትሒዛ፣ ኣባልነታ ካብቲ ዞባዊ ውድብ ዘደስከለት ኤርትራ፣ ኣብ 2011 ዳግም ተመሊሳ እኳ እንተነበረት፣ ክትቕጽል ግና ኣይከኣለትን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0