ሱዳን፣ 60 ሓለፍትን መኮንናትን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም

Radio Erena: 26 November 2019

ኣቦ መንበር ሉኡላኣዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራልዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ልዕሊ 60 ላዕለዎት ሓለፍትን መኮንናትን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካብ መዝነቶም ከምዝሰጎገ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ትካል ልዩተናንት ጀነራል ኣሚን ዓዋድ ኣል ካሪም ቑረሺ ሓደ ካብቶም ዝተሰጎጉ’ዩ።

እቶም ካብ መዝነቶም ዝተሰጎጉ መኮንናት፣ ከም ኣካል ናይቲ፣ ኣብ ግዜ ስርዓት በሺር ብዓፈናን ምጭዋይ ዜጋታትን ዝተፈልጠ ሃገራትዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር፣ ንምብታኑን ብኻልእ መልክዕ ንምቛምን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ብሳልሕ ጎሽ ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ስለያን ጸጥታን ትካል፣ ኣንጻር ስርዓት በሺር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ህዝቢ ኣብ ምጭፍጫፍ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮ’ዩ ዝውቀስ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምእላይ በሺር፣ ካብ ወትሃደራውያን ሲቪላውን ወገናት ብዝተዋጽአ፣ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ መሰጋገሪ ልኡኣላዊ ባይቶ’ያ ትምራሕ ዘላ።

እታ ሃገር፣ ስልጣን ናይዚ መሰጋግሪ ባይቶ ምስ ኣብቀዐ፣ ብህዝባዊ ምርጫ ብዝቐውም ሲቪላዊ መንግስቲ ክትመሓደር ትጽቢት ይግበር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0