ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓዘን ሰለስተ ጀላቡን 16 ኣባላተንን ብናጻ ኣፋንዩ

Radio Erena: 26 November 2019

ሑቲ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓዘን ሓንቲ ዋንነት ደቡብ ኮርያ እትርከበን ስለስተ ጀላቡን 16 ኣባላተንን ናጻ ከምዘፋነወን ኣፍሊጡ።

ንዝበዝሐ ክፋል የመንን ገማግም ባሕራን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ምኹዓት ነዳዲ እተዋፈረ፣ ናይ ደቡብ ኮርያ ተንሳፋፊ ማሺን እትስሕብ ዝነበረት ጃልባ እትርከበን ሰለስተ መራኽብ ከምዝሓዘ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ብወገኑ ወግዓዊ ሓበሬታ ከይሃበ’ዩ ጸኒሑ።

ክልተ ዜጋታቱ ምስተን ጀላቡ ከምዝተታሕዛ ዘመልከተ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፣ ብቀጥታ ምስ ሒቲ ክዘራረብ ጸኒሑ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ እቲ ብሑቲ ዝተፈጸመ ምትሓዝ ጀላቡ፣ ምስ ጭውያ መራኽብን ዝተሓሓዝ ገበን’ዩ ክትብል’ያ ትኸስስ።

ኣቀዲሙ ብናይ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ኣብ ናይ ነዳዲ ቦታታት መጥቃዕቲ ዝካየደ ሑቲ፣ ንስዑዲ ዓረብ ብባሕሪ’ ውን ከቢድ ስግኣት ኮይኑዋ ምህላዉ ወትሃደራውያን ተንተቲ የረድኡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0