ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልድያ ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት ይልሕም ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት ናብ ካልኦት ዩኒቨርስታት’ውን ይልሕም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ደምበዲሎ ብዝቐጸለ ግጭት፣ ሓደ ተማሃራይ ክቕተል እንከሎ፣ ሓያሎ ድማ ብከቢድን ፈኵስን ቆሲሎም።

ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምበዲሎ፣ ሕነ ናይቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዝተቐትሉ ክልተ ደቂ ብሄሮም ንምፍዳይ ነቲ ግጭት ከምዝጎሃሃርዎ’ዩ ዝጥቀስ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ፣ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ብዙሓት ተማሃሮ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ተዓቝቦም ኣለዉ።

ክልል ኦሮሞ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ እቲ ክልል ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒኑ’ዩ።

ኣመሓደርቲ እተን ዩኒቨርስታት፣ እቲ ኩነታት ኣብ ምጽራይ ከምዘለዉን፣ እቲ ግጭት ከምዝሃደን እኳ እንተሓበሩ፣ እቲ ብሄር ዝጠንቁ ግጭታት ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ብዝበኣሰ ከይጎሃሀሃር ተሰጊኡ ኣሎ።

ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ፣ ተማሃርኡ ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ከምዘይልእኽ ክሕብር’ዩ ጸኒሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0