ዚምባብዌ፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንፈለማ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዘርጊሓ

Radio Erena: 14 November 2019

ዚምባብዌ፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንፈለማ እዋና ዘሕተመቶ ሓድሽ ባጤራ ናብ ዕዳጋ ዘርጊሓ።

ህዝቢ እታ ሃገር፣ ዝጸንሖ ዶላር ኣመሪካ፣ ራንድ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልእ ባጤራታትን በዚ ሓድሽ ባጤራ ዶላር ዚምባብዌ ንምትካእ፣ ኣብ ባንክታት ተሰሪዑ ይርአ ከምዝሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ሃራረ ሓቢረን።

ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበን፣ ባጤራኣ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ካብ ዝእለ ንደሓር፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ኣይጸንሓን።

ብሕርሻዊ እቶት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝጸገዋ ሃገራት ሓንቲ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ 38 ዓመታት መሪሕነት ሮበርት ሙጋበ፣ ናብ ድኽነትን ድሕረትን መሊሱዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ’ውን ኣስኢኑዋ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ኣብ 2017 ብዕልዋ ድሕሪ ምእላዩ’ውን እንተኾነ፣ ዚምባብዌ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት ኣይተራእያን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0