ኢማራት ኣብ ኤርትራ ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ የመን፣ ንደሴት ሰኮትራ ንምቁጽጻር ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 October 2019

ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ ሚሊሻ፣ ንሓያሎ ናይ ፓሊስ ነቁጣታት ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን ከምዝተቖጻጸሩ ዝተፈላለየ ምንጭታት ሓቢረን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ የመን፣ ናብታ ደሴት ተዋፍሮም ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሶኮትራ ፖስት፣ ኣቐዲሙ፣ ንስለያዊ ምንጭታት እታ ደሴት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ደሴት፣ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከይዓልባ ካብ 9 መስከረም ኣትሒዙ ተኸልኪሉ’ዩ።

እቲ ምኽንያት፣ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ኤርትራ ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ የመን ናብታ ደሴት ከይዋፈሩ ምዃኑ ተጠቒሱ።

ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ ዕጡቃት፣ ኣብ ከተማ ዓደን ብተመሳሳሊ፣ ንዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ከምዝተቖጻጸሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ ሚሊሻ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምታት፣ “ዕልዋ መንግስቲ’ዩ” ክብል ኮኒንዎ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ደሴት ሰኮትራ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ የመን ዝተወስደ መጥቃዕቲ፣ “ንየመን ንምክፍፋል ዝዓለመን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትልን” ‘ዩ እናተባህለ ይንቀፍ ኣሎ።

ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ሶኮትራ፣ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ዓደንን ባሕሪ ዓረብን እትርከብ፣ ብደረጃ ኣህጉር ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ናይ የመን ዝዓበየት ደሴት’ያ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0