ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተናኢዶም

Radio Erena: 01 October 2019

ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ፣ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንሃገራዊት ጋንትኦም ዘርኣይዎ ደገፍ ዝንኣድ ምንባሩ ምስ ስፖርት ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ዝተፈላለያ ቅድድማት ሰሪዑ ካብ 22 ክሳብ 29 መስከረም’ዩ ተኻይዱ።

ኤርትራ ኣብ 27 ከምኡ ድማ 29 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ቅድድማት’ያ ተሳቲፋ።

ኣብዚ ካብ ዮርክሻየር ዝተበገሰ ናይ ጽርግያ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽኽለታ፣ ዋላ’ኳ ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር እንተነበረ፣ ባንዴራን ስእልታት ተቀዳደምቲን ዝሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ንሃገራዊት ጋንትኦም ብድሙቕ ክድግፉ ተራእዮም።

ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ መኽሰብ ደበሳይን ኣማኑኤል ገብርእግዝኣብሔርን ከተሳትፍ መደብ እኳ እንተነበራ፣ መርሃዊ ቅድሱ ናብ ብሪጣንያ ዘእትዎ ቪዛ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሔር ኣብ ቮልታ ስጳኛ ብዘጋጠሞ ምቅዳቕ ካብዚ ቅድድም ክቦኽሩ ተገዲዶም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0