ሱዳን፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 11 ኣባላት ዝሓቖፈ መሰጋገሪ መንግስቲ ብወግዒ ቆይሙ

Radio Erena: 22 August 2019

ኣብ ሱዳን፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 11 ኣባላት ዝሓቖፈ ናይ መሰጋገሪ ግዝያዊ ባይቶ ብወግዒ ቆይሙ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣብ ወርሒ ለካቲት ስልጣን ተረኪቡ ዝጸንሐ ኣቦ መንበር ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ቆይሙ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ ግዝያዊ ባይቶ ኮይኑ ብሮቡዕ 21 ነሓሰ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ዶክተር ዓብደላ ሓምዱቕ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስ ዝተረፉ ኣባላት እቲ ባይቶ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ሓደ ካብ ህቡባት ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ዝኾነ ዶክተር ዓብደላ ሓምዱቅ፣ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራውን ዞባውን ውድባት ዘገልገለ፣ ካብ ሲቪላዊ ወገን ዝተወከለ ኣባል እቲ ግዝያዊ ባይቶ’ዩ።

ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ን21 ኣዋርሕ፣ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ብኣቦ መንበርነት ድሕሪ ምምራሕ ናብ ሲቪላዊ ወገን ከረክብ’ዩ።

ዝተረፋ 18 ኣዋርሕ፣ ካብ ሲቪላዊ ወገን ዝተመርጸ ኣባል፣ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምምራሕ፣ ስልጣን፣ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ሱዳን ንዝተዓወተ ዜጋ እታ ሃገር ከሰጋግር’ዩ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጎሎ (ሒሚቲ)፣ ጀነራል ያሲር ዓጣ፣ ጀነራል ኢብራሂም ጃብርን ጀነራል ሻምሰዲን ቃባሺን ካብ ወገን ሰራዊት ዝተወከሉ ሓሙሽተ ኣባላት እቲ ቆይሙ ዘሎ ግዚያዊ መሰጋገሪ ባይቶ ክኾኑ እንከለዉ፣ ተቓውሞታት ካብ ዝወደቡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዝተወከሉ ሓሙሽተ ኣባላት ድማ፣- ሓሰን መሓምድ ኢድሪስ፣ ዓሊ ሰዲቕ ታወር ካፊ፣ ዓይሻ ሙሳ ስዒድ፣ መሓመድ ዑስማን ሓሰን ኣልጣየሺን ራጃ ኒኮላ ዒሳ ዓብደልማስሕ’ዮም።

እቲ ግዝያዊ ባይቶ፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ህዝቢ ሱዳን ካብ ወከለ ብዝሒ ደቂንስትዮ፣ ክልተ ጥራይ ዝሓቖፈ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ኡ፣ ሓንቲ ካብተን ክልተ ደቂንስትዮ ኣማኒት ክርስትና 11 ፣ ካብ እምነት ክርስትና ክትከውን ኣካል ናይቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ምዃኑ ጸብጻባት ሱዳን ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0