ገማግም ባሕሪ ሊብያ ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ጥሒሎም ከይኮኑ ተሰጊኡ

Radio Erena: 22 August 2019

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብምጥሓላ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊሩ ዝርከብ ትካል ግብረ ሰናይ፣ ሓካይም ብዘይ ዶብ፣ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ደሃይ ናይቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ልዕሊ 100 ሰባት ክርከብ ስለዘይክኣለ፣ ጥሒሎም ዝብል መደምደምታ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዝግለጽ ዘሎ፣ ካብ ባሕሪ ዝድሓኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 98 ሰባት እትቕበሎም ሃገር ብምስኣኖም፣ ኣብታ ዘድሓነቶም መርከብ ን18 መዓልታት ኣብ ሰንፈላል ድሕሪ ምጽንሖም፣ ኢጣልያ፣ ናብ ላምፔዱሳ ክወርዱ ከምዘፍቀደት ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 300 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብምጥሓላ፣ ህይወት 150 ሰባት ከምዝጠፍአ ኣይርሳዕን።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0