ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ሱዳን 250 ሚልዮን ዶላር ኣቐሚጣ

Radio Erena: 08 August 2019

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ሱዳን 250 ሚልዮን ዶላር ከምዘቀመጠ፣ ሚኒስትሪ ፋይናንስ’ቲ ንግስነት፣ ብሰሉስ 7 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ ብመልክዕ ልቃሕ ናብ ባንክ ሱዳን ከምዝተቐመጠ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

እቲ ኣብ ካዝና ሱዳን ተቐሚጡ ዘሎ ገንዘብ፣ ኣካል ናይቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንቁጠባ ሱዳን ንምብርባር ዝኣተውኦ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ’ዩ።

ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ደገፈን ዘረጋገጻ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሱዳን ብፋይናንስያዊ ሓገዝ ጅሆ ክሕዝኣ ይፍትና ከምዘለዋ ሱዳናውያን ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

እንተኾነ፣ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ካብ ዘላቶ ኩነታት ንምግልጋል፣ ፋይናስያዊ ሓገዝ ከምዘድልያ ይጥቀስ።

ብስዑዲ ዝምርሓ ሃገራት ዓረብ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳንን ደሞክራስያውያን ሓይልታትን ንዝኸተምዎ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዘለወን ደገፍ እኳ እንተፍለጣ፣ እታ ሃገር ናብ ደምበ ቀጠርን ቱርኪን ከይትመለስ ሻቕሎት ከምዘለወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0