ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ምትእትታው ናይ ግዳም ከምዝነበሮ ቀ/ሚ’ታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 08 August 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ከም ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይዚ ወርሒ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋን ቅትለት ኤታ ማጆር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ብምስታፍ ዝተጠርጠሩ ሰባት፣ ካብ ግዳም ብዝመጹ ሓይልታት ስልጠና ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ከም ዝተረኽበ እውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ዝተባህሉ፣ ብምስጢር ተታሒዙ ከምዘሎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበሉን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፣መንግስቲ ዘተኣታተዎ ለውጥታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ነጻ ተሳታፍነት ንምፍጣርን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንኽህሉን ደኣ’ምበር ሽበራ ንምትብባዕ ከም ዘይኮነ ኣብሪሁ።

እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ክቆጻጸሩ ዝፈተኑ ወገናት ብገበን ተሓተቲ ምዃኖም ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ብ22 ሰነ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ሃንደስትን ተሓባበርትን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ወተሃደራትን ሲቪልን ዝርከብዎም 350 ሰባት ተኣሲሮም እኳ እንተነበሩ፣ 120 ካብኣቶም ነጻ ከም ዝተለቁ መግለጺ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣነጺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0