እስራኤል፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ክሱሳት ጾታዊ ዓመጽ ክሳብ 17 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 25 July 2019
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ቴልኣቪቭ፣ ከባቢ ሪሾን ለጽዮን፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን፣ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 17 ዓመታት ክእሰሩ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ብ21 ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ ወሲኑ።

እቶም ሰለስተ ብድርብ ጾታዊ ዓመጽ ገበነኛታት ኮይኖም ክርከቡ እንከለዉ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ብምትሕብባር’ዩ ፍርዲ ተዋሂብዎ።

እቲ ዓመጽ ክፍጸም እንከሎ፣ ሰብ ከይመጽእ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈረ፣ ተዓዛቢ ናይ ዝነበረ ሓሙሻይ ጉዳይ’ውን ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ፣ ነዚ ሓበሬታ ዘቃለሐ ማዕከን ዜና ሃረጽ ጠቒሱ።

ኣብ ክሊ ዕድመ መጀመርያ 20ታት ዝነበሩ እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቶም ኣብ ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት፣ ነታ ድሮ መስተ ዝነበራ ጓል 30 ዓመት ዝኾነት መንእሰይ ናብ ተወሳኺ መስተ ድሕሪ ምዕዳም፣ እናጋፍዑ፣ ብዘይድሌታ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከምዘገደዱዋ እቲ ክሲ የመልክት።

እታ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኮይና ዝተባህለት መንእሰይ፣ ካብ ሕዳር 2018 ኣትሒዛ፣ ዘላቶ ኣድራሻ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0