ፕረዚደንት ጋምቢያ ነበር፣ ብቅትለት 30 ስደተኛታትን ሓደ ጋዜጠኛን ተኸሲሱ

Radio Erena: 24 July 2019

ንጋምቢያ ን21 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር ያሕያ ጃምህ፣ ብቕትለት 30 ስደተኛታት ተኸሲሱ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፣ ኣብ 2005፣ ካብ ጋና፣ ናይጀርያ፣ ሰኔጋልን ቶጎን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዞም፣ “ኣንጻረይ ውዲት ንምእላም ዝኣተዉ’ዮም” ብዝብል ክቕተሉ ብምእዛዙ’ዩ ተኸሲሱ።

እንተኾነ፣ እቶም 30 ሰባት፣ ነዊሕ ጉዕዞ ስደት ብምቕጻል ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምብጻሕ ሕልሚ ዝነበሮም ተራ ስደተኛታት ደኣ’ምበር ዝኾነ ካልእ ዕላማ ከምዘይነበሮም ክካየድ ዝጸንሐ መርመራታት ኣመልኪቱ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ስለያ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ብሰሉስ 23 ሓምለ፣ ንኮሚሽን ሓቂ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ ቃል ምስክርነት፣ እቶም 30 ስደተኛታት ብቀጥታዊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ነበር ያሕያ ጃምህ’ዮም ብዝሃቦ ትእዛዝ ብጅምላ ከምዝተረሸኑ ኣረጋጊጹ።

ቅድሚኡ’ውን ክልተ ኣባላት ስለያ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ቃል ምስክርነት፣ ሓደ ካብ ነቐፍቲ ‘ቲ መንግስቲ ጋምብያ ዝነበረ ህቡብ ጋዜጠኛ፣ ብቀጥታዊ ትእዛዚ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ባዕላቶም ከምዝተቐተልዎ ኣቃሊዖም።

ሓደ ካብ ዕሉላት መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበረ ያሕያ ጃምህ፣ ብዘይካ’ቲ ስልጣን ምብሓትን ደረት ዘይብሉ ብልሽውና ምፍጻሙን፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ‘ውን ክኽሰሰ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ምስ ኤችኣይቪ ኤዲስ ንዝበሩ ሰባት ናይ ምሕዋይ ተውህቦ ኣሎኒ እናበለ’ውን፣ ብስነ-ኣእምሮ ህዝቢ እታ ሃገር ይጻወት ምንባሩ’ዩ ዝውቐስ።

ያሕያ ጃምህ፣ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድሕሪ ብኻልእ ተወዳዳሪ ድሕሪ ምስዓሩ፣ ስልጣን ምርካብ ሓንጊዱ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ዞባውን ኣህጉራውን ጸቕጢ፣ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ተዓቝቡ ይርከብ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ንኢኳቶርያል ጊኒ ን40 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሳጎ ናይ ቀረባ ዓርኪ ፕረዚደንት ጋምብይይያ ነበር ያሕያ ጃምህ’ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዉ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0