ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝቐረበ እማመ ተኸቲሙ

Radio Erena: 17 July 2019

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ሰራዊትን ፖለቲካውያን ውድባትን ዝተዋጽአ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝቐረበ እማመ ተኸቲሙ።

እቲ ብኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ክድፍኣሉ ዝጸንሐ እማመ፣ ስልጣን ሒዙ ካብ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶን ንፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውና ማሕበራትን ዝወከለ ምንቅስቃስ ንለውጢን፣ ነፍሲ ወከፎም ሓሓሙሽተ ኣባላትን ሓደ ድማ ዘይሻራዊ ዜጋን፣ ብድምር 11 ኣባላት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም’ዩ።

እቲ እማመ ብክልቲኦም ወገናት ከይተፈረም፣ ካብ 11 ክሳብ 14 ሓምለ፣ ንክልተ እዋናተ ተሰጋግሪ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ 17 ሓምለ መኸተምታ ዝተገብረሉ።

ብመስረት እቲ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ንዝቕጽል 21 ኣዋርሕ ኣቦ መንበር ናይ ምምራጽ ስልጣን ክህልዎ እንከሎ፣ ንዝተረፈ 18 ኣዋርሕ ድማ ብምንቅስቓስ ንለውጢ ብዝተመርጸ ኣቦ መንበር ክትካእ’ዩ።

ስልጣን ፕረዚደንት’ውን በብእብረ ክኸውን’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ እዋን፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምክያድ፣ ህዝቢ ሱዳን መራሕቲ ክመርጽ’ውን ኣብዚ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ህዝቢ ሱዳን ብዘካየዶ ኣድማ ተሓጊዙ ሰራዊት ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ብምእላይ ስልጣን ንምቑጽጻር’ዩ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑ።

እቲ ብጀነራላት ስርዓት በሺር ነበር ዝቖመ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ካብ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ደገፈ እኳ እንተረኸበ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ግና ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘሰጋገር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ገሊሉዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0