ግብጺ፣ ሬሳ ኤርትራዊት መንእሰይ ብጌጋ ናብ ሊብያ ልኢኻ

Radio Erena: 17 July 2019

ግብጺ፣ ንሬሳ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ብጌጋ ናብ ሊብያ ከምዘፋነወት ማዕከናት ዜና ሊብያ ሓቢረን።

ሬሳ ናይታ ስማ ዘይተጠቕሰት፣ ጓል 18 ዓመት ኤርትራዊት፣ ናብ ኤርትራ ክልኣኽ፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዚንሃም ዝተባህለ ሆስፒታል ተዓቝቡ እኳ እንተነበረ፣ ሰብ ሞያ እቲ ሆስፒታል፣ ሬሳ ሓደ ሊብያዊ መሲልዎም ንወኪል ኤምባሲ ሊብያ ከምዘረከብዎ ኣፍሪካን ጌት ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ሬሳ ንኽርከቦ ናብቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፣ ነቲ ሬሳ ብጌጋ ናብ ሊብያ ከምዘፋነውዎ ክፈልጥ ክኢሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሬሳ እታ ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ናብ ካይሮ ክምለስ ወይ ድማ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ክፋኖ ትጽቢት ይግበር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0