ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኢትዮጵያ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክትገብር’ያ

Radio Erena: 17 July 2019

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኢትዮጵያ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ።

እቲ ብ”ስም ሸኽ ከሊፋ” ንኢትዮጵያ ተመዲቡ ዘሎ ምወላ፣ ከም ኣካል ናይቲ ሕቡራት ኢማራት ነታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ንምሕጋዝ ዝኣተወቶ መብጽዓ’ዩ ተባሂሉ።

ነቲ ናይ ምወላ ስምምዕ፣ ብወገን ሕቡራት ኢማራት፣ ኣቦ መንበር ምወላ ንልምዓት፣ ሑሰን ጃሲም ኣል ኖያአስ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣድማሱ ነበበ’ዮም ከቲሞም።

እቲ ምወላ፣ ኣብ ምፍጣር ስራሕን ምሕያል ቁጠባን ዘተኮረ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ክውዕል ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ናብ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

ጋልፍ ኒውስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ እታ ሃገር ብዘይካ’ቲ ንኢትዮጵያ መዲባቶ ዘላ ናይ ሚልዮናት ምወላ፣ 50 ሽሕ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ናይ ምቕባል መደብ’ውን ኣለዋ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ቁጠባዊ፣ ወትሃደራውን ምትእትታዋት ተካይድ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዜና ከይወጻእና፣ እታ ሃገር ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ምስ ስድርኦም ንዝጎዓዙ ቆልዑ ብዘይ ቪዛ ናብታ ሃገር ንኽኣትዉ ዘፍቅድ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ።

ኢማራት፣ ነዚ ካብ15 ሓምለ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ ዘላ ሓድሽ ሕጊ ቪዛ፣ ናብታ ሃገር ንዝጓዕዙ ወለዲ፣ ንደቆም ንቪዛ ዝገብርዎ ኮለልን ወጻኢታትን ከቓልል’ዩ።

እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ ሕጊ ቪዛ ዘተኣታትወተሉ ምኽንያት፣ እናበዝሐ ንዝመጽእ ዘሎ ቁጽሪ በጻሕቲ ሃገር ብዝያዳ ንምትብባዕ’ዩ።

ካቢነ ሕቡራት ኢማራት ኣብ 2018 ኣብ ዘጽደቖ ኣዋጅ፣ ካብ 15 ሓምለ ክሳብ 15 መስከረም ናብታ ሃገር ንዝጎዓዙ በጻሕቲ ሃገራት፣ ንደቆም ናጻ ቪዛ ከምዝፈቐደ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0