መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዝካየደሉ መስመር ጁባ-ኒሙለ ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍር ኡጋንዳ ሓቲታ

Radio Erena: 17 July 2019

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዝካየደሉ መስመር ጁባ-ኒሙለ፣ ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍር ኡጋንዳ ምሕታታ ጋዜጣ ኒው ቪዥን ካብ ካምፓላ ሓቢራ።

ኡጋንዳ ነዚ ሕቶ ተቕርብ ዘላ፣ ኣብቲ ከባቢ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ገያሾ ኣብ ልዕሊ ዝጸዓነት ሚኒባስ፣ ብ11 ሓምለ ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ’ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ተቀቲሎም ክልት ድማ ቆሲሎም።

መስመር ጁባ ኒሙለ፣ ዜጋታት ኤርትርን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ነጋዶ፣ ካብን ናብን ጁባ ካምፓላ ዝመላለስሉ ኣውራ ናይ ንግዲ ጎደና’ዩ።

ኣብዚ መስመር’ዚ፣ ምስ ስርቅን ዘረፋን ብዝተሓሓዝ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕቲ ክፍጸን ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኩ’ውን ኤርትራውያን ነጋዶ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት እቲ ከባቢ የመልክቱ።

መንግስታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ነቲ ንነጋዶን ተራ ገያሾን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ ኩነታት ስርቕን ዘረፋን ንምቁጽጻሩ፣ ኣብቲ መስመር ሓይልታት ጸጥታ ንምውፋር ተደጋጋሚ እዋን መብጽዓታት ዝኣትዉ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ግብሪ ግና ኣይወዓለን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0