ኩባንያ ዳናኪሊ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘካየዶ ንጥፈታት ዕደና፣ ካብ ክልተ ትካላት ፊይናንስ ኣፍሪቃ ልቃሕ ሓቲቱ

Radio Erena: 03 June 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ደንካልያ፣ ከባቢ ኮሉሊ፣ ዕደና ፖታሽ ንምክያድ ኣብ ምድላው ዝርከብ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናኪል፣ ካብ ክልተ ትካላት ፊናንስ ኣፍሪቃ ልቃሕ ናይ ምርካብ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቲ ኩባንያ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብብርኪ ከካይድዎ ኣብ ዝመደቦ ናይ ዕደና ፕሮጀክት፣ ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን፣ ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ እቲ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ፣ መበገሲ ዝኾኖ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ልቃሕ፣ ንምርካብ፣ ብርክታት ኣብ ምዝርጋሕ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ባንክ ኣፍሪቃን ምትሕግጋዝ ፋይናንስ ኣፍሪቃን ካብ ዝብሉ ክልተ ትካላት እወታዊ ምላሽ ምርካቡ ኣፍሊጡ።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ፕሮጀክት፣ ዘድልዮ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምእካቡ ተቓሪቡ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኩባንያ ዳናኪሊ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ኮሉሊ፣ ኣብ ዘካይዶ ዕደና፣ ናይ ኣስታት 1.1 ቢልዮን ቶን ዕቑር ሃብቲ ፖታሽ ከምዘሎ’ዩ ገምጊሙ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 16 ኩባንያታት ወጻኢ፣ ኣብ ዕደና፣ ዳህሳስን ኩዕታን፣ ተዋፊረን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ን40 ሚእታዊት ናይ ዝኾነት ኩባንያ ንጥፈታት ዝውንን መንግስቲ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓሪምዎ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhane 5 years ago

    Mengisty eritrea birki yeblun wenani birki hgdef eyu mengisty tirayu banki eyu zemahadir