ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክስሕብ’ዩ

Radio Erena: 03 June 2019

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ ኣስታት 20 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ሓደ ሽሕ ክስሕብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲኑ።

ምስሓብ እቲ ሰራዊት፣ ኣካል ናይቲ ጸጥታን ምርግጋእን ሶማል ናብ ሓይልታት መንግስቲ ሶማል ናይ ምስግጋር መስርሕ’ዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ሶማል ሕጂ’ውን፣ ጸጥታ መላእ ሶማል ከረጋግጽ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ተንተንት የረድኡ።

ካብ 2007 ኣትሒዙ ናብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ 12 ዓመታት ንኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ከርሕቆ እኳ እንተኸኣለ፣ ጸጥታ ሶማል ናብ ንቡር ክመልስ ግና ኣይከኣለን።

ባይቶ ጸጥታ፣ ሓደ ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕብ ደኣ ይወስን እምበር፣ ተልእኾ እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ሰራዊት ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ደገፉ ሂቡ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ብሩንዲን ዝተዋጽአ ሓይሊ ኮይኑ፣ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ከምዝምወል ጸብጻባት ይገልጹ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0