Radio Erena: 15 November 2020
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ትግራይ ጃምላዊ ህልቂት ተፈጺሙ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ12 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ማይ ካድራ ዝተባህለት ናይ ትግራይ ከተማ፣ ብኣማኢት ክቑጸር ዝኽእል ሬሳታት ኣብ ማእከል’ታ ከተማ ከምዝተረኸበ፣ ዘመላኽቱ ጭብጥታት ኣኪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ትካል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ሰራዊት ህወሓት ብዕለት 9 ሕዳር ምሸት ነታ ከተማ ገዲፉዋ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ንጽባሒቱ ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ኣብ ጎደናታት ዝተዛሕዘሐ ሬሳታት ብብዝሒ ከምዝረኣዩ መስኪሮም። እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ቀትሪ ሰራሕተኛታት ደኣምበር ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘይብሎም እቶም መሰኻኽር ይገልጹ።
ኣብታ ከተማ ኣብ ፈቐድኡ ዝተዛሕዘሐ ሬሳታት እኳ እንተተራእየ፣ ኣብ ከባቢ ንግዳዊ ባንክን፣ ናብ ሑመራ ዝወስድ መስመርን ግና ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ ትርኢት ከምዝነበረ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘረጋገጾ ይሕብር።
ብዕለት 9 ሕዳር ኣብታ ከተማ ተኹሲ ብዘይምንባሩን፣ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ከኣ ናይ ካራን ጎዞሞን መውጋእቲ ይረኣዮም ምስ ምንባሩ፣ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ፣ ካብቲ መዓት ዝወጹ ተዓቚቦምሉ ካብ ዘለዉ ሆስፒታላት ጎንደር ምስክርነቶም ሂቦም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ እዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት፣ ብናጻ ኣካል ተጻርዩ ገበነኛ ዝሕተተሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ስርዓትን ጸጥታን ብቑልጡፍ ኣስፊኑ፣ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ናብ ንቡር ክመልስ ጸዊዑ።