ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፣ ኣባልነቱ ካብ ልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ስሒቡ

Radio Erena: 05 July 2020

ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፣ ኣባልነቱ ካብቲ ልፍንቲ መስሪቱ ብሞያውያን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ክፋል ግዚያዊ መንግስቲ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጡ።

ከምዝዝከር፣ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝዓለወ ምንቅስቓስ፣ ሓደ ሓይሊ ብዘቖማ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ሞያ እዩ ተመሪሑ። ሓደ ካብዞም ማሕበራት ዝኾነ ኤስ.ፒ.ኤ. ዝተባህለ ከኣ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ብዝተኸስተ ዘይምርድዳእ ካብቲ ልፍንቲ ክስሕብ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ንስርዓት ኣልበሽር እኳ እንተዓለዎ፣ ብወተሃደራውያን ሰበስልጣንን ማሕበራት ሰብ ሞያን ቆይሙ ዘሎ ግዚያዊ መንግስቲ ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ዳግማይ ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ።

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ሓያሎ ማሕበራት ጠርኒፉ፣ ንህዝቢ ሱዳን ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ምዕላው ናይ መሪሕነት ተራ ምጽዋቱ ዝፍለጥ’ዩ። ምስ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ግና ሕጽረት ተመኩሮ ስለዘለዎ፣ በቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብቀሊሉ ክዕብለል ከምዝኸኣለዩ፣ ብተንተንቲ ፖለቲካ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ።

ደሞክራስያዊ ኪዳን ጠበቓታት፣ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፣ መርበብ ጋዜጠኛታት፣ ኮሚቴ መማህራን፣ ማሕበር ሓካይም፣ ገለ ካብተን ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ዘቖማ በርጌሳውያን ትካላት እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0