ኢትዮጵያ፤ ቁጽሪ ምዉታት ናብ 166 ክብ ኢሉ

Radio Erena: 05 July 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ስዒቡ ዝተላዕለ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 166 ክብ ኢሉ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኮሚሽነር ፖሊስ ዞባ ኦሮምያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ 145 ሰላማውያን ሰባት ከምኡ’ውን 11 ኣኽበርቲ ጸጥታ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ካልኦት 167 ከቢድን ፎኪስ መቑሰልቲ ከጋጥሞም እንከሎ፣ 1,084 ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ቅትለት’ቲ ስነጥበባዊ ኣብታ ሃገር ዘየዕርፍ ናይ ብሄር ግጭት ንምውላዕ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ ኢሉ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ ነቲ ሃገር ንምዕናው ኢሎም ዝገልጽዎ ፍጻሜ፣ ካብ ነዊሕ ክስርሓሉ ዝጸንሐን፣ ኢድ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘለዉዎን’ዩ ይብሉ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝርከብዎም ፖለቲከኛታት ቀዪዱ ምስ ምህላዉ፣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ዘጋድድ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝገልጹ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ንተኸታታሊ መዓልታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምቕናይ ኣብዚ እዋን’ዚ ንቡር ንጥፈታቱ ከካዪድ ከምዝጀመረ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ገና ተዓጽዩ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0