13 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ካብ መንግስቲ ማልታ ካሕሳ ሓቲቶም

Radio Erena: 05 July 2020

13 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ካብ መንግስቲ ማልታ ካሕሳ ሓቲቶም።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝሰግሩሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብሓለዋ ባሕሪ ማልታ ናብ ሊብያ ከምዝምለሱ ብምግባሩ፣ ኣብ ሊብያ ናይ ዝበጽሖም በደል እዮም ካሕሳ ዝሓቱ ዘለዉ።

ማዕከናት ዜና ማልታ ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ኮማንደር ሰራዊትን ኣኽባር ሕጊ’ቲ መንግስትን እዚ ብኤርትራውያን ዝተዳለወ ጥርዓን ቀሪቡሎም ኣሎ።

እቶም 13 ኤርትራውያን፣ በስገዳድ ናብ ሊብያ ኣብ ዝተመልሱሉ ብቐጥታ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ብምህጋሮም፣ ግዳያት መግረፍቲ፣ ጥሜትን ጽምእን ከምዝኾኑ እዮም ዝኸሱ።

ነዚ ብኤርትራውያን ‘ወሪዱና’ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ከምዘረጋገጾን፣ ኣብቲ ናብ መንግስቲ ማልታ ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ከም መስክርነት ተጠቒሱ ከምዘሎን ተገሊጹ።

ኣብ መንጎ’ቶም 13 ኤርትራውያን፣ ደቀንስትዮን ሰለስተ ዓመት ዘይመልኡ ዕሸላትን ይርከብዎም።

ብወገን መንግስቲ ማልታ ዝተዋህበ ምላሽ፣ ‘እታ ጃልባ ናብ ዝተበገሰትሉ ወደብ ከምእትምለስ ተገይሩ’ ዝብል እኳ እንተኾነ፣ ብመሰረት ሕጊ’ታ ሃገር ተቐባልነት ከምዘይብሉ’ዮም ጠበቓታት ዝገልጹ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0