ናብ ወደባት ኢጣልያ ከይትጽጋዕ ተኣጊዳ ዝጸንሐት መርከብ፣ ድሕሪ 17 መዓልታት ኣብ ላምፐዱዛ ተዓሺጋ

Radio Erena: 30 June 2019
ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ኣድሒና፣ ናብ ወደባት ኢጣልያ ከይትዕሸግ ተኣጊዳ ዝጸንሐት መርከብ፣ ድሕሪ 17 መዓልታት ናብ ላምፐዱዛ ከምዝተጸገዐት ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ካፕቴን ናይታ መርከብ ጀርመናዊት ካሮላ ራከት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ረዲኤት ሓቲታ እኳ እንተነበረት፣ ሰበስልጣን ኢጣልያ ፍቓድ ስለዝኸልከሉዋ እያ እታ መርከብ ንልዕሊ 2 ሰሙን ኣብ ባሕሪ ክትንሳፈፍ ጸኒሓ።

ካፕቴን ካሮላ ናይ መወዳእታ ዝወሰደቶ ውሳኔ ብዘይፍቓድ ናብ ዶብ ምጽጋዕ እኳ እንተነበረ፣ ሓለዋ ዶብ ክኽልክዋ ብዙሕ ከምዝፈተኑን ጥሒሳቶም ከምዝሓለፈትን ትገልጽ።

እታ ካፕቴን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ‘ሕጊ ኢጣልያ ጥሒሰ ክቕጻዕ ይመርጽ፣ ካብ ህይወት’ዞም ኩሎም ስደተኛታት እንዳረኣኹ ዝሓልፍ’ ክትብል ገሊጻ።

ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ፣ ካብ 3 ክሳብ ናይ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነላ ከምዝኽእል’ዮም ጠበቓታት እታ ሃገር ዝገልጹ።

እንተኾነ ሓያሎ ኣባላትን ሰበስልጣንን ሰልፊ ደሞክራስን ጸጋማውያንን፣ ከምኡ’ውን ብኩነታት ስደተኛታት ዝግደሱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ እታ መርከብ ኣብ ዝተዓሸገትሉ፣ ብጣቕዒትን ዕልልታን ተቐቢሎማ።
ናይ ህጹጽ እዋን ረዲኤት ድሕሪ ምትሕልላፍና፣ ንልዕሊ 60 ሰዓታት ተጸቢና ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ምላሽ ኣይሃበትናን ዝበሉ ኣባላት እታ መርከብ ብወገኖም፣ ናይ መወዳእታ ክንገብሮ ዝነበረና ስጉምቲ፣ ህይወት’ዞም ውጹዓት ምድሓን እዩ ኔሩ ብምባል፣ ብውሳኔ ካፕቴን ካሮላ ሕቡናት ሙዃኖም ገሊጾም።

ኢጣልያ፣ ኣብ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎም ፖለቲከኛታት ተዓብሊላ ብምህላዋ፣ ንስደተኛታት ክትነጽግ እያ ጸኒሓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0