Radio Erena: 23 June 2019
ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጻርይ ዝቖመት ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ትካላት ጥዕና ምህጋሩ፣ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።
ሓላፊት ናይታ ጉጅለ ዳኒኤላ ክራቨዝ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ብኣንጻር’ቲ ዝተራእየ ምዕባለታት ሰላም፣ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተቐየረ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ስምምዕ መሰል ደቂሰብ ከምኡ’ውን መሰል ምኽባር ሃይማኖትን ሃይማኖታውያን ትካላትን ከኽብር ጸዊዓ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 12 ሰነ፣ ብካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ሃጊሩ፣ ንብረተን ክዘምት እንከሎ፣ መፍትሕ ኣይነረክብን ንዝበሉ ከኣ ምስ ንብረቱ ነቲ ትካላት ከምዝዓሸጎ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።
ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፣ ብዕለት 13 ሰነ ንሓሙሽተ ኣባላት ደብረ ቢዘን ዝኾኑ ኣቕሽሽቲ ከምዝቐየደ ከተዘኻኽር እንከላ፣ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምቅዋሞም ከምዝተኣስሩን፣ ሰለስተ ካብኣቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ገሊጻ።
ዳኒኤላ ክራቨዝ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝገብሮ ምትእትታው ደው ከብል፣ ብዓቢኡ ከኣ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም በብእዋኑ ዝቕየዱ ዘለዉ ዜጋታቱ ብዘይወዓል ሕደር ናጻ ክሰዶም ጸዊዓ።