ንኢትዮጵያ ምስ ወደባት ኤርትራ ዘራኽብ መስመር ባቡር ክስራሕ መደብ ወጺኡ

Radio Erena: 24 June 2019

 

ንኢትዮጵያ ምስ ወደባት ኤርትራ ዘራኽብ መስመር ባቡር ክስራሕ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንግዲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን ብቐጥታ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ባቡር ንኽስራሕ መጽናዕቲ ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ መጽናዕቲ ባንክ ዓለም ሓላፍነት ወሲዱሉ ከምዘሎ እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ፕሮጀክት ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ምስ ሰሜናዊ፣ ምብራቓዊን ማእከላይን ዞባታት ኢትዮጵያ ብቐጥታ ክራኸቡ’ዮም።

ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ዘይትጥቀመሉ ዝነበረት እዋን፣ ምስ ጂቡቲ፣ ኬንያን ሱዳንን ዘራኽባ መስመራት ባቡር ሃኒጻ’ያ። እንተኾነ ድሕሪ ሓድሽ ዝምድና ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን፣ ወደባት ኤርትራ ክትግልገለሉ ስለዝተፈቕደላ ናይ ኣየር፣ ምድሪን ባሕሪን መጎዓዝያታት ዳግም ኣብ ምህናጽ ትርከብ።

እዚ ኣብ መጽናዕቲ ዘሎ መስመራት ባቡር፣ ክንደይ ባጀት ክሓትት ምዃኑ ገና ዘይተፈልጠ እኳ እንተኾነ፣ ኢጣልያ እትርከበን ገለ ሃገራት ድሮ ተገዳስነት ኣርእየን ከምዘለዋ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዋዕላ ንግዲ ተገሊጹ።

ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ንማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ሃገራ ኣብቲ ንወደባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተመዲቡ ዘሎ መስመር ባቡር ክትጽምበር ድሌት ከምዘለዋ ሓቢራ። ንሳ ብተወሳኺ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ከምዝዘተየት ሓቢራ።

እቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ኢጣልያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሆቴል ሓያት ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ኣኼባ፣ ንሓጺር ግዜ ከምዝወሰደ እኳ እንተተገልጸ፣ ኣቐዲሙ ኣብ መደብ ከምዘይነበረን፣ ምስቲ ናይ ንግዲ ዋዕላ ከምዝተጋጠመን ኣብሪሃ።

ኣብ መንጎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ባዕሉ ፕረዚደንት ኢሰያስን ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብ ዝርዝር ስምምዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሓያሎ ዜጋታት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0