ፖሊስ ኮንጎ፣ ዶብ ብምጥሓስ ንሰለስተ ቁሸታት ኡጋንዳ ከምዝተቖጻጸረ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 April 2023

ብፖሊስ ዝተሰነየ ህዝቢ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ዶብ ኡጋንዳ ብምጥሓስ ንሰለስተ ቁሸታት ከምዝተቖጻጸረ፣ ንሓለፍቲ ጸጥታ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ መርበብ ዜና ሞኒተር፣ ብ25 ሚያዝያ ሓቢሩ።

እተን ኣብ ንኡስ ዞባ ምዕራብ ናይል ዝርከባ ሰለስተ ቁሸታት፣ ብፖሊስ ተሰንዮም ብዝመጹ ኣብ ዶብ ናይ ዝርከባ ዓድታት ተወላዶ ዝኾኑ ዜጋታት ኮንጎ ከምዝተወረራ ዝሓበረ ኮሚሽነር ፖሊስ፣ ልዩተናት ኮለነል ፒዩስ ኣሊተማ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምስ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ኮንጎ ንምዝርራብ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽነር፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣህጉራዊ ውዕላት ከተኽብር ብምጽዋዕ፣ ምጥሓስ ዶብ፣ ዘይርጉእ ጸጥታ ከምዝፈጠር ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ንምውራር ዝዓለመ ምዃኑ ዝተሓበረ ምጥሓስ ዶብ ኡጋንዳ ብፖሊስን ህዝቢን ኮንጎ፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝውረደ ጉድኣት ኣይተነጸረን።

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብጉዳይ ዶብን ምድግጋፍ ሓድሕድ ዕጡቓት ተቓውምቲን ተደጋጋሚ እዋን ረጽሚ ከምዝካየድ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0