ፕረዚደንት ሱዳን፣ ብተቓውሞ ህዝቢን ወትሃደራዊ ሓይልን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

Radio Erena: 12 April 2019

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣንጻሩ ክካየድ ብዝጸንሐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ብሓገዝ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ 11 ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ምክትሉን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዖውፍ፣ ግዝያዊ ወትሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።

ጀነራል ኢንብ ዖውፍ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ስልጣን ምቅይያር’ዩ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ናይ ሚኒስተር ምክልካል ጽፍሒ፣ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ።

እቲ ጀነራል፣ ንክልተ ዓመት ብመሰጋገሪ ወትሃደራዊ መንግስቲ ነታ ሃገር ከምዝመርሕ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት በሺር፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዱ ከምእሱር ተታሒዙ ከምዘሎ ዘመልከቱ ጸብጻባት እታ ሃገር፣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ከምዘሎ መልኪቶም።

ህዝቢ ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ሓጎሱ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ነዚ ብናይ ቀረባን እሙንን መሳርሕቱ ዝነበረ ጀነራል ኢንብ ዖውፍ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምታት ምቓዋሙ ይቕጽል ኣሎ።

================