ፕረዚደንታት ሱዳንን ቱርክን ዝምድንኦም ንምሕያል ተወሳኺ ስምምዓት ይኽትሙ

ፕረዚደንታት ሱዳንን ቱርክን ዝምድንኦም ንምሕያል ተወሳኺ ስምምዓት ይኽትሙ

Radio Erena: 21 May 2018

Sudan Turkey

ፕረዚደንታት ሱዳንን ቱርኪን፣ ዝምድናታት ሃገሮም ንምሕያል ዘኽእሎም ተወሳኺ ስምምዓት ከምዝኸተሙ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቱርኪ፣ ከተማ ኢስታንቡል ዝተኻየደ፣ ኣብ ጉዳይ ዮርሳሌም ዘተኮረ ዋዕላ ሃገራት እስላም፣ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጣይብ ኤርዶዋን ብምርኻብ፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታት ድሕሪ ምዝታይ’ዩ እቲ ስምምዕ ተኸቲሙ።

ዝምድና ሱዳንን ቱርኪን፣ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናት ዝሓለፈ ዓመት፣ ናብ ሱዳን ዘካየዶ ታሪኻዊ ዑደት፣ ናብ ሓድሽ መድረኽ ተሰጋጊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቱ፣ ቱርኪ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሱዳን እተካይዶ ዘላ ናይ ወፍርን ንግድን ምንቕስቓሳት፣ ኣብ ፖለቲካውን ወትሃደራውን መደይ’ውን ክተተሓጋግዝ ምዃና ከምዘረጋገጸ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ ወደብ ሱዋኪን ናይ ሱዳን ንምብርባር ምስ ቀጠር ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ኣብቲ እዋን’ዩ ምግላጹ ይዝከር።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0