ፈረንሳ፣ ንፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ሂባ

Radio Erena: 29 May 2019

ፈረንሳ፣ ንፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃበት ኤምባሲ ፈረንሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ደብረዘይቲ ወይ ቢሾፍቱ ዝተኻየደ ናይ ኣስታት ሓደ ሰሙን ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና፣ ካብ ነፈርቲ ዘሊልካ ናይ ምውራድን ምጥቃዕን ስልቲ ዘጠቓለለ’ዩ።

ነቲ ወትሃደራዊ ስልጠና ዝሃቡ ሓይልታት ፈረንሳ፣ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ካብ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ ምዃኖም መግለጺ ኤምባሲ ፈረንሳ የመልክት።

ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ባሕሪ ክትሃንጸላ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብይ ከምዝድኮን ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ፕርዚደንት ጅቡቲ ምስ ናይ ፈረንሳ መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ግና፣ ኣብ ባጽዕ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ፈረንሳን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ምህናጽን ምሕያልን ሓይሊ ኣየርን ካልእ ወትሃደራዊ ኣሃዱታትን’ውን ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዝኸተማ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይሕብሩ።

ስእሊ፣-ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ

=======================